ካብ ተፀባይነት ንምውፃእ ዘሎ ራኢ ንክዕወት ኢትዮጵያውያን ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ተፀባይነት ንምውፃእ ዘሎ ራኢ ንክዕወት ኢትዮጵያውያን ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /30/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ብምውፃእ ዓርሳ ንክትኽእል ዝተትሓዘ ሽቶ ንክዕወት ኢትዮጵያውያን ብዝለዓለ ትግሃት ክሰርሑ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ተፀባይነት ሓደገኛ ስምብራት ኢትዮጵያ እዩ።
ኢትዮጵያ ትኣክል ዓባይ ሃገር ዓርሳ ምምጋብን ዓርሳ ምኽኣልን ኣብይዋ ንካልኦት ምልማና ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ንሕና ተደጊፍና ተፀባይነት ክነውርስ የብልናን፤ ንሕና ለሚንና ልመና ክነሸጋግር የብልናን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተፀባይነት ኣባና ከቋርፅ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
መንግስቲ ተፀባይነት ዝፈጠሮ ልዑል ስምብራት ብምፅጋን ካብ ተፀባይነት ምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ረዳኢ ወይ ድማ ሓጋዚ ብምዃን ለውጢ ክነምፅእ ኣለና ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ከምዝሓዘ እውን ተዛሪቦም።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ክሳብ ታሕተዋይ ብርኪ ኣመራርሓ ብምውራድ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ህዝቢ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ካብቲ ህዝቢ ዝተረኸበ ምላሽ እውን ዘሕጉስ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።
ንቐልጥፍ፣ንፍጠርን ንስራሕን፣ልመና ይኣኽለና ሓባራዊ ድምፂ ኢትዮጵያውያን እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ሓባራውን መንግስታውን ቅዋም እዩ ኢሎም።
መንግስትን ህዝብን ብዘሳለጥዎም ስራሕቲ ዝረኣዩን ዝጭበጡን ለውጥታት ምምፅኦም እውን ሓቢሮም።
ነዚ ድማ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 27 ሚልዮን ተመፅዋታይ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እዚ ቁፅሪ ተመፅዋታይነት ኣብ 2017 ዓ/ም ናብ 3 ነጥቢ 9 ሚልዮን ከምዝወረደ ከም ኣብነት ገሊፆም።
23 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ተፀባይነት ምውጻእ ሓደ መርኣያ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ዓብይ ዓወት እዩ ኢሎም።
መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ኢትዮጰያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ንምውፃእ ትልሚ ኣቐሚጡ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዓርስኻ ንምኽኣልን ከምኡ እውን ንካልኦት ንምሕጋዝ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት እቲ ህዝቢ ዝጀመሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።