ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረ፣ብልክዕና ዝተሰርሐ ሪፎርም እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረ፣ብልክዕና ዝተሰርሐ ሪፎርም እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /29/2017(ኢዜኣ) እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰርሐን ሪፎርም እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መበገሲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓርስኻ ካብ ምርኣይ ዝጀመረ እዩ።
እቲ ኢኮኖሚ ምኽፋት ኣድላዪ ምዃኑ ደሕሪ ምእማን ብተመሳሳሊ ኩነታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ናብ ዝገበራ ሃገራት ልኡኻት ብምልኣኽ ልምዲ ንምውሳድ ሰፊሕ ፃዕሪ ተገይሩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ብዛዕባ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ እዋናዊ ፈተናታትን ቀፃሊ ኣንፈትን ጠሚቶም ኣብ ዝገበርዎ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ትግበራ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝርዝር ኣረዲኦም።
እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘድለየሉ ብዓለም ለኸ ተካል ገንዘብ ወይ ባንኪ ዓለም ፅዕንቶ ዘይኮነስ ኣብ ኢተዮጵያ ዘለዉ ኩነታት እቲ ኢኮኖሚ ክፍቲ ንክግበር ብምግዳዶም ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ መመሓየሺ ተግባራዊ ንምግባር ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ትካል ገንዘብ ዓለም፣ ባንኪ ዓለምን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ትካላትን ዓምዩቕ ዘተ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።
ብምቕፃል ኣብቶም ዘተታት ዝተረኸቡ ለምዲታትን ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ብምግንዛብ ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ 1ን 2ን ኣቢሉ እቲ ኢኮኖሚ ከምዝተኸፈተ ኣዘኻኺሮም።
ብመሰረት እዚ መሃያ ናይ ምኽፋልን ካልኦት ፀገማትን ንምፍታሕ ፈለማ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ቢሊየን ዶላር ብምትእኽካብ ዕዉት ትግበራ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ወይ ካብ ካሊእ ቦታ መፂኡ ዝተፅዓነ ነይ ካልኦት ባህጊ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።
ከም ኣብነት እቲ ትካል ናይ ኢትዮጵያ ሪፎርም ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ ብ7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ክትግበር ይኽእል ኢዩ ዝብል መከራኸሪ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ይኹን እንበር ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ተኸፈልቲ ትሑት መሃያ ከምዝኾኑ ብምሕባር ወሰኽ መሃያ እንተዘይተገይሩ እቲ ሪፎርም ሓደጋ ከምዘጋጥሞ ቅዋምና ብምግላፅ ኣፍሊጥና ኢና ኢሎም።
መንግስቲ ብሓፈሻ እናተለቀሐ ፀኒሑ ልቐሑ ምምላስ ዘይኽእለሉ ብርኪ ብምብፅሑ ርክብ መንግስቲን ባንኪን ብሕጊ ምምራሕ እንትጅምር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ክወድቕ ኢዩ ዝብሉ ስግኣታት ምቕራቦም እውን ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ብናይ ኢትዮጵያ ድልየትን ሕቶን ንማክሮ ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ንክኸወን ብምስምማዕ ናብ ተግበራ ተኣትዩ ኢሎም።
10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር እኹል ዘይምዃኑ ገሊፆም፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ መንግስቲ ንዘበናዊ ዱኽዒ፣ ነዳዲ፣ ሴፍቲኔት፣ መድሓኒት 350 ቢሊየን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
እቲ ዱጎማ ንምቕፃል ካብ ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ካብ ሕድሕዶም 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ከምኡወን ካብ ኣለቃሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ዕዳ ሽግሽግ ብምግባር እቲ ሪፎርም ምትግባሩ ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰፈየን ሪፎርም ስለዝኾነ ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተተግበረ ዘይምዃኑ ብምግላፅ፥ ድልየት ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ብምውሳድን ብምምኻርን ብፍልጠት፣ ጥበብን ዓምዩቕ ዘተን ተግባራዊ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።