እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረ፣ብልክዕና ዝተሰርሐ ሪፎርም እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረ፣ብልክዕና ዝተሰርሐ ሪፎርም እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /29/2017(ኢዜኣ) እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰርሐን ሪፎርም እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መበገሲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓርስኻ ካብ ምርኣይ ዝጀመረ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ኢኮኖሚ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ምስ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን መዳርግቲ ኣካላት ሰፊሕ ዘተ ከምዝገበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ውሽጢ ፈተና ኢኮኖሚ ኮይነን ናብ ሪፎርም ብምሽግጋር ለውጢ ካብ ዘምፅኣ ሃገራት ተሞኩሮታት ከምዝተወሰዱ እውን ኣረዲኦም።
በቶም ዘተታትን ተሞኩሮ ብምውሳድን ዝተረኸቡ ሓሳባት መሰረት ብምግባር ሪፎርም ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ፀሪሖም።
በቲ ሪፎርም እውን ኣብ ኢኮኖሚ ዝረኣዩ ለውጥታት ተመዝጊቦም እዮም ኢሎም።
መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሃገር ቦቆል እዩ ክበሃል ከሎ ካብ ካልኦት ኣይንመሃርን ማለት ከምዘይኮነ ክስመረሉ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ወፃኢ ዝተቐድሐ እዩ ዝብል ርኢቶ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።
ምስ ዕዳ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰረ ምስ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ፣ባንኪ ዓለምን ካልኦት ኣለቃሕቲ ትካላትን ዝተገበሩ ድርድራት ረብሓን ድሌትን ኢትዮጵያ ዘሐለዉ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰፈየን ሪፎርም ስለዝኾነ ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ ኢሎም።