ብዝሃ ዓውድታት መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ኢኮኖምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ጭቡጥ ውፅኢታት እናተረኸበሎም እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብዝሃ ዓውድታት መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ኢኮኖምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ጭቡጥ ውፅኢታት እናተረኸበሎም እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /29/2017(ኢዜኣ) መንግስቲ ብዝሃ ዓውድታት መሰረት ብምግባር ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ ኣብ ኢኮኖምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ጭቡጥ ለውጢ እናምፅኡ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራሕ ፅግዕተኛ ብምግባር ምርግጋፅ ኣይከኣልን።
መንግስቲ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ነፀላ ናብ ብዝሃ ዓውዲ ሽግግር ብምግባር ልምዓት ንምርግጋፅን እቲ ኢኮኖሚ ንምቕያርን እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ግብርና፣ኢንዱስትሪ፣መዓድን፣ቱሪዝምን ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽንን ኮሙኒኬሽንን (ኣይሲቲ) ቀንዲ ዓምድታት ልምዓት ተገይሮም ከምዝተፈለዩ እውን ኣመላኺቶም።
ኣብቶም ዝተፈለዩ ዓውድታት ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ዓቕምታት ከምዘለውዋ ብምግላፅ፤ እቶም ዓውድታት ነንባዕሎም ዝመጋገብ ረብሓ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ግብርና መፍረያይነት፣ኣብ ኢንዱስትሪ ዕቤት፣ኣብ ቱሪዝም ልምዓት፣ኣብ መዓድን ንግዲ ወፃኢን ኣብ ቴክኖሎጂ ተጠቃምነትን ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ተዛሪቦም።
ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብመርኣያነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልዑል ለውጢ ከምዝተመዝገበ ፀሪሖም።
ቅድሚ እቲ ጎስጓስ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ኢትዮጵያ ከባቢ 48 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዚ ቁፅሪ 65 ሚኢታዊ ምብፅሑ ሓቢሮም።
ቅድሚ እቲ ለውጢ 3 ኢንዱስትሪ ፓርክታት ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 13 ከምዝዓበዩ ገሊፆም።
መንግስቲ ሰብ ሃፍቲ ወንነቲ ፓርክታት ኢንዱስትቲ ዝኾንሉ ፓርክታት ብምህናፅን ነፃ ዞባ ንግዲ ብምፍጣርን ስራሕቲ ምንቕቓሕ ኢንዱስትሪ ኣሳሊጡ እዩ ኢሎም።
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ዓውዲ ኢንዱስትሪ 13 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ እቲ ዓውዲ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቁልፊ እጃም እናበርከት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብዝሃ ዓውድታት ምስ ደገፍቲ ዓውድታት ኣጣሚርካ ብምስራሕ ብዝሃ ውፅኢት እናተረኸበን ዕቤት እናምፅአን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።