ኣብ ከተማ ባህርዳር ህንፀት መንገዲ፣ ልምዓት ኮሪደርን ስራሕቲ ሕድሳት ትካላትን ብልዑል ርብርብ ይካየድ ኣሎ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ባህርዳር ህንፀት መንገዲ፣ ልምዓት ኮሪደርን ስራሕቲ ሕድሳት ትካላትን ብልዑል ርብርብ ይካየድ ኣሎ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/28/ 2017 /ኢዜኣ/ኣብ ከተማ ባህርዳር ህንፀት መንገዲ፣ ልምዓት ኮሪደርን ስራሕቲ ሕድሳት ትካላትን ብልዑል ርብርብ ይካየድ ከምዘሎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተረኺቦም እናተሰርሑ ንዘለው ስራሕቲ ልምዓት ተመልኪቶም፡፡
ኣብ እቲ እዋን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ መንግስቲ ፅባቐ ከተማታትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ተሓልዮም ክዝምኑ ኣድላዩ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሮም ፡፡
ባህርዳር ናብ ምቹኡ ከተማ ንምስግጋር ዝሕግዙ ህንፀት መንገዲ፣ ልምዓት ኮሪደርን ስራሕቲ ሕድሳት ትካላት ብልዑል ርብርብ እናተካየደ ምዃኑ ምርኣዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገሊፆም፡፡
እታ ከተማ ንነበርታ ምችውቲ፣ ብበፃሕቲ ዓዲ ተፈታዊት ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ናብታ ከተማ ዝመፅኡ ጋያሹ ድማ ተመራፂት መባፅሕ ንምግባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝንኣዱ እዮም ኢሎም፡፡
መንግስቲ ፅባቐ ከተማታትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምዕቃብ ክዝምኑን መስሕብ ቱሪዝም ንምዕባይን ክትትልን ደገፍን ዘድልዮም ጉዳያት ኣድላዩ ደገፍን ክትትልን ክገብር እዩ ክብሉ ኣመልኪቶም ።