ፅሬትን ተበፃሕነትን ስራሕቲ ኦዲት ብምዕባይ ሃፍቲ ካብ ብኽነት ንምድሓን እናተሰርሐ እዩ-ዋና ኦዲተር ፌዴራል - ኢዜአ ትግርኛ
ፅሬትን ተበፃሕነትን ስራሕቲ ኦዲት ብምዕባይ ሃፍቲ ካብ ብኽነት ንምድሓን እናተሰርሐ እዩ-ዋና ኦዲተር ፌዴራል

ኣርባ ምንጭ/ግንቦት 27/2017 (ኢዜኣ) ፅሬትን ተበፃሕነትን ስራሕቲ ኦዲት ብምዕባይ ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ካብ ብኽነት እናድሐነ ከምዝኾነ ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ገሊፁ።
መበል 23 ዓመታዊ ጉባኤ ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተር ፌዴራል፣ዋና ኦዲተራትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ይካየድ ኣሎ።
ዋና ኦዶተር ፌዴራል መሠረት ዳምጤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ስራሕቲ ኦዲት ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን ካብ ብኽነት እናድሐነ እዩ ዝርከብ።
ስራሕቲ ኦዲት ብኣሰራርሓ፣ቅልጣፈ፣ፅሬትን ሽፋንን ንምዕባይ ብዝተገበሩ ፃዕርታት ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ተዛሪበን።
ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣለማየሁ ባውዲ ብግደኦም፤ ስራሕቲ ኦዲት ሃፍቲ መንግስትን ህዝብን ኣብ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ንክውዕል ልዑል ኣስተዋጽኦ ኣለዎም ኢሎም።
ሃፍቲ መንግስትን ህዝብን ካብ ስርቂ ንምድሓን ስርዓታት ኣተኣኻኽባ ኣታውን ወፃእን ካብ ብኽነትን ስርቅን ንምድሓን ጠንካራ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ንሰለስተ መዓልትታት ዝፀንሕ ጉባኤ፤ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴታትን ዋና ኦዲተራትን ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ።