ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዕቤታት እጃም ማሕበረሰብ ንግዲ ዝለዓለ እዩ-ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዕቤታት እጃም ማሕበረሰብ ንግዲ ዝለዓለ እዩ-ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 27/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዕቤታት እጃም ማሕበረሰብ ንግዲ ዝለዓለ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን “ንኩለመዳያዊ ብልፅግና እጃም ማሕበረሰብ ንግዲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ፣ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ሓዊሱ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ከፈልቲ ልዑል ግብሪ ፌዴራል ተረኺቦም።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ብልፅግና እታ ሃገር ንምርግጋፅ ልምዓት ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር በቢዓውድታት ዓወታተት እናመዝገበ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዕቤታት እጃም ማሕበረሰብ ንግዲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ግቡእ ኣፍልጦ ክወሃብ እዩ ኢሎም።
ኣብ መንጎ መንግስትን ዓውዲ ውልቀን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛመድቲ መድረኻት ምኽክር ወሰንቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ፀገማት ዓውዲ ንግዲ ብምፍታሕ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ንምዕባይ ሃገራዊ ፖሊሲ ንግዲ ዝተዳለወ እንትኸውን ልዕሊ 63 ዓመት ዝፀንሐ ሕጊ ንግዲ ንክመሓየሽ ከምዝተገበረ እውን ኣረዲኦም።
ፍርያታት ውሽጢ ዓዲ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾንሉ ዕድል ከምዝተፈጠረ ብምግላፅ፤ ኣገልግሎት መንግስቲ ቅልጡፍን ምችውን ምግባር ዘኽእል መመሓየሺ ኣሰራርሓ ከምዝተገበረ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ቀፃሊ ዘበን ሒዘዎ ዝመፅእ ዕድል ንምጥቃም ኣድላይ ምድላው ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ መርኣያ ዝኾኑ ተዋሳእቲ ዓውዲ ውልቀ ምፍራይ ከምዝጀመሩ ሓቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ብምግባር ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ማሕበረሰብ ንግዲ ንምዕባይ ብመንፈስ ግዜ የብልናን እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።