ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ደለል ምሕላው ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ እዩ-እቲ ቤት ፅሕፈት

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /22/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ደለል ንምሕላው ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሲቪክ ማሕበራት ዝገብርዎ ደገፍ ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ገሊፁ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፤ሓደ ትልሚ ሓደ ፀብፃብ ንዝተወደበ ልምዓት ተፋሰስ ኣባይ እጃም ሲቪክ ማሕበራትኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምኽክር የካይድ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ኣረጋዊ በርሄ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ካብ ድኽነት ንምልቓቕ ዘለዎም ቆራፅነት ብተግባር ዘርኣይሉ ዓብይ ሃገራዊ ሃፍቲ እዩ።

ስለዝኾነ እውን እቲ ማሕበረሰብ ከምኡ እውን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኩለመዳያዊ ደገፍ ብምግባር እቲ ግድብ ናብ መዛዘሚ ምዕራፍ ከምዘሸጋገርዎ ሓቢሮም።

ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኩለመዳያዊ ዕቤት ልምዓት ኢትዮጰያ ዝህልዎ ቀፃልነት ንምርግጋፅ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።

ነዚ ድማ እቲ ግድብ ብደለል ንከይመልእ ከም ሃገር ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ ምስታፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ውጽኢታዊ ንክኸውን ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ኣስተዋጸኦ ብዝተወደበን ብዝተዋደደን መልክዑ ንከጠናኽሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም