ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሕታት ብምቕራብ እጃም መሪሕነታ ክትዋፃእ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሕታት ብምቕራብ እጃም መሪሕነታ ክትዋፃእ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 21/2017 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሕታት ብምቕራብ እጃም መሪሕነታ ክትዋፃእ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ገሊፆም።
ብኣዳላውነት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ከምኡ እውን ብምትሕብባር ኤምባሲታት ኖርወይን እንግሊዝን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ፎረም ቴክኒካል ጉጅለ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ኢኮኖሚ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዘተ፤ ኣካላት መንግስቲ፣መሓዙት ልምዓትን ዝምልከቶም ኣካላትን እናተሳተፉ እንትኸውን ኣብ ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ኣመልኪቶም ይዝትዩ ኣለዉ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀፃሊ ስግኣት ዘይኮነስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀገማት ዘስዕብ ዘሎ ዓለም ለኸ ፍፃመ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንክተዳሉው ከምዝተመረፀት ብምዝኽኻር፤ እቲ ጉባኤ ፈተና ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣፍሪካውያንን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዝዝትይሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሕታት ብምቕራብ እጃም መሪሕነታ ክትዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ኢትዮጵያን መላእ ኣፍሪካን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምርኣይ ዘኽእል እዩ ኢሎም።