ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/20/ 2017 /ኢዜኣ/ ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 7 ሰባት ሓሊፉ፡፡
እቲ ሓደጋ ካብ ጎንደር ናብ ባህርዳር 18 ሰባት ፅዒና ትጉዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ኣብ ጥቓ ንኡስ ጣብያ ይፋግ ምስ ደው ኢላ ዝነበረት ኤፍ ኤስ ኣር መኪና ብምግጫዋ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ሓላፊ ክፍሊ ከይዲ ስራሕ መምርሒ ትራፊክ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ሽባባው ኣለባቸው ተዛሪቦም፡፡
እቶም ሓላፊ ከምዝገለፅዎ፤ በቲ ሓደጋ ህይወት 7 ሰባት ዝሓለፈ እንትኾን ካልኦት ተሳፈርቲ ድማ ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ በፂሑዎም።
ብተወሳኺ እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ኣብ ሆስፒታል ኣዲስ ዘመን ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑን መንቀሊ እቲ ሓደጋ ድማ እናተፃረየ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡