ኣብ ውሽጢ ቀረባ ዓመታት ዲጂታል መንነት ተስፋ ወሃቢ ካብ ዝኾነ ፈጠራ ናብ ምአሰረታዊ ዓምዲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ተመሓይሹ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /12/2017(ኢዜኣ) ኣብ ውሽጢ ቀረባ ዓመታት ዲጂታል መንነት ተስፋ ወሃቢ ካብ ዝኾነ ፈጠራ ናብ መሰረታዊ ዓምዲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ተመሓይሹ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ገሊፆም።

ድሕሪ ሕዚ ኣማራፂ ዘይኮነስ ሰባት ምስ ኣገልግሎታት፣ ማሕበረሰባት፣ትካላትን መንግስትታትን ዘራኽብ ኣድላይ መሰረተ ልምዓት ከምዝኾነ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ሓቢሮም።

ቅድሚ 5 ዓመት ብራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 እናተመራሕና ኣድላይ ውሳነ ወሲንና ኢናክብሉ እውን ፀሪሖም።

እዚ ድማ ዘበናዊ፣ሓቛፊ፣መሰረት ዘለዎን ክሰፍሕ ዝኽእልን ዲጂታል ስርዓት መንነት ምህናፅ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንሕድ ሕድ ዜጋ ከምዝባፃሕ ኣረዲኦም።

እዚ ስርዓትፋይዳኢልና ንፅውዖ፤ ፋይዳ ካርዲ ጥራሕ ኣይኮነን እውን ኢሎም።

ውልቃዊ ሓበሬታ ወልቀ ሰባት ምስጢራውነቱ ብምሕላውን ኣድላይ ዝኾነ ጥራሕ ብምክፋልን መንነቶም ዘረጋግፅ ፍሉይ መፍለዪ ቁፅሪ እዩ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም