ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣብ ትገብሮ ንቑሕ ተሳትፎ ፋይዳ ወሳኒ እጃም ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)


 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 12/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣብ ትገብሮ ንቑሕ ተሳትፎ ፋይዳ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ገሊፆም።

ኣብ ዲጂታል መንነት ዝጠመተ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ዲጂታል መንነት ምርግጋፅ ወሳኒ እዩ።

ኢትዮጵያ ንኹሉ ተጠቃሚ ዝገብር ዘበናዊ፣ሓቛፍን መሰረታውን መፍለይ ስርዓት ዲጂታል መንነት ከምዝዘርገሐት እውን ሓቢሮም።

ፋይዳ ካርዲ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍሉይ ዝኾኑ ቁፅርታት ዝሓዘን መንነት ዝረጋገፀሉን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ክሳብ ሕዚ 15 ሚልዮን ዜጋታት ተበፃሒ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ፋይዳ ፋይናንስ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ቴሌኮም፣ኣገልግሎታት ህዝቢ ምስ ማሕበራዊ ውሕስና ብምትእስሳር ተኣማኒ ዝኾነ ኩነታት ንህዝቢ ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ፋይዳ ኣብ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ዝኾነ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ተሳተፍቲ ናብቲ ዝመፅሉ ከባቢ ወይ ድማ ዓዶም እንትምለሱ እውን ኩሉ ሰብ ዘተኣማምን ዲጂታል መንነት መፍለዪ ንክህልዎ ብቆራፅነት ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣብቲ መድረኽ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ቴዎድሮስ ምህረት፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም