ዓቕሚ ምፍጣር መናእሰይ ንምጉልባት ዝተጀመረ ፃዕሪ ክጠናኸር ኣለዎ- ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/12/ 2017 /ኢዜኣ/ዓቕሚ ምፍጣር መናእሰይ ንምጉልባት ዝተጀመረ ፃዕሪ ክጠናኸር ከምዘለዎ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ሓቢሩ

ኣብ መናእሰይ ዘሎ ዓቕሚ ምርምርን ሓደሽቲ ነገራት ናይ ምፍጣርን ዓቕሚ ንምጉልባት ክስራሕ ከምዝግባእ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን አመላኸቱ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ብሩክ ከድር (/) ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ትካላት ቴክኒክን ሙያን ልምምድ ስግግር ቴክኖሎጂ ንኽህሉ ብዘሎ ዓቕሚን ክእለትን ዓቕሚ ፈጠራ መናእሰይ፤ ፀገማት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትካላት ቴክኒክን ሙያን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ናይ ምትካእ ዓቕሚ ምድንፋዕ ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ መናእሰይ ዘሎ ዓቕሚ ምርምርን ሓደሽቲ ነገራት ናይ ምፍጣርን ዓቕሚ ርኡይ ኣፍልጦን ግንዛበን  ክወሃቦ  ኣመልኪቶም።

እዚ ንምዕባይ ኢኒሼቲቭ ስታርት ኣፕ ሓዊሱ እናተተግበሩ ዝርከቡ መደባት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ርእሳ ንኽትክእል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም