አብ "ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ መንደቐ ዓባይ አፍሪካ" ዝጠመተ አኼባ ይካየድ አሎ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ "ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ መንደቐ ዓባይ አፍሪካ" ዝጠመተ አኼባ ይካየድ አሎ

አዲስ አበባ/ ግንቦት/ 5/2017/ኢዜአ/፡-አብ "ኢኒሼቲቭ ሓምለዋይ መንደቐ ዓባይ አፍሪካ" (The great green wall initiative) ናይ ሰብ ሞያታትን ምሓዙት አካላት ዝጠመተ ኣኼባ ሎሚ አብ ኣዳራሽ ሕብረት አፍሪካ ተጀሚሩ ።
አብ መኸፈቲ እቲ ኣኼባ ግብርና ኮሚሽን ሕብረት አፍሪካ ፣ ልምዓት ገጠር፣ አመራርሓታት ኮሚሽን ዘላቒ ከባቢ አየርን ብሉ ኢኮኖሚን፣ ተወከልቲ አባል ሃገራት፣ ሰብ ሞያ ማሓዙት አካላትን ካልኦት ሰብ ብፂሒት አካላት ተረኺቦም ።
ንአፈፃፅማ እቲ ኢኒሼቲቩ ብምግምጋም ቐፃሊ አንፈታት ትኹረት ክቐመጡ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ።