ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ስርዓተ ምህዳር ኣብ ምሕላው ወሳኒ እጃም ኣለዎም - ኢዜአ ትግርኛ
ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ስርዓተ ምህዳር ኣብ ምሕላው ወሳኒ እጃም ኣለዎም

ኣዳማ/ጉንበት/ 2/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ስርዓተ ምህዳር ኣብ ምሕላውን ኣብ ዕቤት ፍርያትን መፍረያይነትን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎም ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ 5 ዓመት መፈፀሚ ፍሉይ ፈንድ ሓምለዋይ ኣሰርን መሕወዪ ዝባደመ መሬትን ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንምዝታይ ዘዳለዎ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ኣይተ ከበደ ይማም ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ስርዓተ ምህዳር ኣብ ምሕላውን ኣብ ዕቤት ፍርያትን መፍረያይነትን ወሳኒ እጃም ኣለዎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሃገርናን ዓለምናን ቀንዲ ፈተና ዝኾነ ፀገም ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ምብዳም መሬትን ንምፍታሕ ኣዋጅ ፍሉይ ፈንድ ሓምለዋይ ኣሰርን ምሕዋይ ዝባደሙ መሬታትን ተደንጊጉ እዩ ኢሎም።
እዚ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዘለዋ ልዑል ቆራፅነት ከምዘርኢ ሓቢሮም።
ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ መተሓባበሪ ማዕቐፍ ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰርን ምሕዋይ ዝባደሙ መሬታትን ኣይተ ዘሪሁን ጌቱ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብዎ ሰነድ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ፍሉይ ፈንድ ንስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዋምን ትካላውን ስርዓት ዘለዎ ዓቕሚ ፋይናንስ ንክህሉ ወሳኒ እዩ።
እዚ ድማ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብዘላቕነት ዝፃወርን ካብ ብኽለት ኣየር ዝፀረየ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ራኢ ንምዕዋት ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ዘለዎን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።