ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-እቲ ሚኒስቴር


 

ኣዳማ/ጉንበት/ 1/2017 (ኢዜኣ) ብኽለት ከባቢ ንምክልኻልን ዘለዎ ፅልዋ ንምፅዋርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

መበል 5 ዓለም ለኸ ሲምፖዜም መፅናዕትን ምርምርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ኣካዳሚክ ኤባ ሚጀና(/) ኣብቲ ሲምፖዜም ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ስራሕቲ ምርምር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፀገማት ማሕበረሰብ ዝፈትሑ ክኾኑ ይግባእ።

ስለዝኾነ ድማ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብርዎ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ዕላማ እቲ ሲምፖዜም፤ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክን ወረቐትን ከምኡ እውን ኣብ ኣተሓሕዛ፣ ዳግማይ ምጥቃምን ናብ ሃፍቲ ምቕያርን ተረፈ ፍርያታት ግብርናን ኢንዱስትሪን ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢሎም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ጉዳያት ኣካዳሚክ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዳማ ተሾመ ኣብዶ(/) እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብቑዕን ተወዳዳርን ሓይሊ ሰብ ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ምርምር እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ 20 ክልላውን ሃገራውን ሜጋ ፕሮጀክትታት ናይ ምምኻር ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ኣይሲቲን ልምዓት ሶፍትዌራትን ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ ሲምፖዜም፤ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ውሽጢ ሃገር፣ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ምርምርን ደቡብ ኮሪያ፣ህንድን ኣውስትራሊያን ተሳቲፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም