ዓብይ ግድብ ህደሰ ኢትዮጵያ ካብ ምምንጫው ሓይሊ ብዝሓለፈ ንብዝሃ ህይወት ከባቢ ብመዳይ ምሕላው ልዑል አበርክቶ አለዎ





 

አሶሳ/ሚያዝያ/ 23/2017 (ኢዜአ):- ዓብይ ግድብ ህደሰ ኢትዮጵያ ካብ ምምንጫው ሓይሊ ብዝሓለፈ ንብዝሃ ህይወት ከባቢ ብመዳይ ምሕላው ልዑል አበርክቶ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ብሓበራዊ ትግሃትን ርብርብን ታሃኒፁ ክዛዘም አብ ጫፍ ዝበፅሐ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት ከባቢ ልዑል አበርክቶ አለዎ።

ኢዚኣ አብ ዝርያ እዚ ዘዘራረቦም አብ ዩኒቬርስቲ አሶሳ ክፍሊ ትምህርቲ ሰነ ሀወትን ስነ ምህዳርን መምህር ጌታቸው ገለታ፤ግድብ ህዳሰ ንቐድሚት እናተግሃዱ ዝኸዱ ብርክት ዝበሉ ረብሓ ዘለዎም ሰነ ሂወትያውያን ን ስነ ምህዳራውን ትሕዝቶታት ሓልዩ ብምፅናሕ ንደቂ ሰባት ልዑል ጥቐሚ ከበርክት ክብሉ አመልኪቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም