ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተዳለወ ተገሊፁ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/23/ 2017 /ኢዜአ/ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተዳለወ ሚኒስትር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ እያሱ ኤልያስ (/)ናይ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም፡፡

ክሳብ ሕዚ 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት ምግባሮም ዝገለፁ እያሱ (/)÷ ካብ ዝተተኽሉ ፈልሲታት 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፈልሲ ፍራምረ ምዃኖም ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ውሽጢ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ምፅዳቆም ብምሕባር÷ ናይ ሎሚ ዓመት ጎስጓስ ዝትከሉ ፈልሲታት ኩሎም ክፀድቑ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም