ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተዳለወ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተዳለወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/23/ 2017 /ኢዜአ/ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተዳለወ ሚኒስትር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ እያሱ ኤልያስ (ፕ/ር)ናይ ሎሚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም፡፡
ክሳብ ሕዚ 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት ምግባሮም ዝገለፁ እያሱ (ፕ/ር)÷ ካብ ዝተተኽሉ ፈልሲታት 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፈልሲ ፍራምረ ምዃኖም ገሊፆም።
ክሳብ ሕዚ ዝተተኽሉ ፈልሲታት ውሽጢ 80 ሚኢታዊ ዝኾኑ ምፅዳቆም ብምሕባር÷ ናይ ሎሚ ዓመት ጎስጓስ ዝትከሉ ፈልሲታት ኩሎም ክፀድቑ ከምዝስራሕ ገሊፆም።