ዓቕሚ መማህራን ብምህናፅ ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅ ዘኽእል ምንቅስቓስ እናተገበረ እዩ-ሚኒስትር ብርሃኑ ነጋ(ፕ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /22/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብምምሕያሽን ዓቕሚ መማህራን ብምህናፅን ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅ ዘኽእል ምንቅስቓስ እናገበረት ከምዝኾነት ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ(/) ገሊፆም።

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ንኣፍሪካ ምምሃርን ምብቃዕንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሰለስተ መዓልትታት ክካየድ ዝፀንሐ ጉባኤ ኢኖቬሽን ኣፍሪካ 2025 ሎሚ ተዛዚሙ።

ሚኒስቴራት ትምህርቲ፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን፣ስራሕን ክእለትን ምስ ኣፍሪካ ብሬይን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣህጉራዊ ጉባኤ፤ ኣፍሪካውያን ኣብ ትምህርት፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ሪፎርም ፈጠራ ስራሕን ስታርት ኣፕን ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ምፍጣር ኣብ ዝኽእልሎም ጉዳያት ብምዝታይ ተዛዚሙ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ(/) ኣብ መዛዘሚ እቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ መሰረተ ልምዓትን ህንፀት ዓቕምን ሃናፂ ዘተ ዝተገበረሉ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተልዓሉ ሓሳባት ዓቕሚ መማህራን ንምህናፅን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምምሕያሽን ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ዘላቕን ፅሬት ዘለዎን ስርዓተ ትምህርቲ ህፃናት ንምህናፅ ኣብ ህንፀት ዓቕምን ዲጂታል ቴክኖሎጅን ትልሚ ነዊሕን ሓፂርን እዋን ክህሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ መሰረተ ልምዓት ትምህርትን ህንፀት ዓቕሚ መማህራንን ጭቡጥ ስራሕ ከምዝጀመረት እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም