ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍርይ ካብ 25 ክሳብ 29 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ክካየድ 'ዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍርይ ካብ 25 ክሳብ 29 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ክካየድ 'ዩ

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/22/2017/ኢዜኣ/ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝሳተፉሉ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍርይ ካብ 25 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ ኢንተርናሽናል ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ከምዝሳለጥ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ቐንዲ ዕላማ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍርይ 2017 መሕንቖ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ምፍታሕ፣ ምህዞ ምብርትታዕ፣ ዝተሓብኡ ውፅኢታት ምህዞ ዕዳጋ ንክረኽቡ ምኽኣል፣ ፅርየት ምህርቲ ምምሕያሽ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብቲ ኤክስፖ 4 ቢሊዮን ብር ዝግመት ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣር ከምዝተተለመ እቶም ሚኒስትር ሓቢሮም።
ኣብቲ ኤክስፖ 100 ኣናእሽትን ማእኸለዎትን፣ 162 ላዕለዎት ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝሳተፉ እንትኸውን፤ ቖርበትን ውፅኢታት ቖርበትን፣ ጨርቃመርቂ፣ ምግብን ውፅኢታት ስራሕቲ ዕንፀይትን፣ ኬሚካል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምህርትታት ክቐርቡ 'ዮም።