ኣብ ኢትዮጵያ ሽግግር ልምዓት ቴክኖሎጂ ዘሳልጥ ምህዳር ተፈጢሩ እዩ-ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ሽግግር ልምዓት ቴክኖሎጂ ዘሳልጥ ምህዳር ተፈጢሩ እዩ-ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 22/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ሽግግር ልምዓት ቴክኖሎጂ ዘሳልጥ ምህዳር ከምዝተፈጠረ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ(ዶ/ር) ገሊጾም።
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ቁልፊ ዓውድታት ልምዓት ልምዓትን ሽግግርን ቴክኖሎጂ ንምስላጥ ዝዓለመ መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት የካይድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ(ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፤ ልምዓት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምስላጥ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ሽግግር ልምዓትን ህንፀትን ቴክኖሎጂ ዘሳልጥ ምህዳር ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ልምዓት ክእለትን ፈጠራን ንምስፍሕፋሕ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ምድላው ፖሊስን ስርዓት ኣሰራርሓን ብምፍጣር ዕዉታት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፍልጠትን ክእለትን ዜጋታት ንምዕባይ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚልዮን ወሳኒ ኣስተዋጽኦ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ዜጋታት እውን ኣብ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚልዮን ብምስታፍ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ፍልጠትን ክእለትን ምዕባይ ዝኽእልሉ ዕድል ክጥቀሙ ከምዘለዎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።