ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝነበሩ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንክምለሱ ኣኽኢሉ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 22/2017 (ኢዜኣ) ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ካብ ስራሕ ወፃእን ተዘሓሒሎምን ዝነበሩ ኢንዱስትሪታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ንክምለሱ ከምዘኽኣለ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል እንዳሻው ጣሰው(/) ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል እንዳሻው ጣሰው(/) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እንትጅመር ኣብቲ ክልል ልዕሊ 569 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝርከብሉ ብርኪ ተፈልዩ እዩ።

በዚ ድማ ብዝተማልአ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ፣ኣብ ትሑት ብርኪ ዝርከቡን ምፍራይ ዘይጀመሩን ኢንዱስትሪታት ከምዝተፈለዩ ኣዘኻኺሮም።

ጎስጓስ ኢትየጵያ ተፍሪ መሰረት ብምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ናብ ስራሕ ዘይኣተዉን ዝተዘሓሓሉን መብዛሕቲኦም ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንክኣተዉ ምግባር ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።

እቲ ጎስጓስ፤ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ዓቕሞም ብምዕባይ ናብ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ንክሸጋገሩ ኣብ ምግባር ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ኣብ 7 ከተማታት ልዕሊ 2 ሽሕ ሄክታር መሬት ንኢንዱስትሪታት ከምዝተዳለወ ብምሕባር፤ ስራሕቲ ምምላእ መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ምድላዋትን እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም