ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅዲቑ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤ 4 ዓመት ዘበነ ስራሕ ኣካይዱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ጉባኤኡ ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝቐረብሉ ሹመት ሓለፍቲ ስራሕ ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ እውን፡-

1/ወይዘሮ ቆንጂት ደበላ ኦላ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ

2/ኣይተ ኣወሌ መሐመድ ኡመር ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ

3/ወይዘሮ ኣይሻ መሐመድ ኣደም ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን

4/ ሕይወት ሳሙኤል ጸጋዬ(/) ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ህንፀትን ቁፅፅርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይሞም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም