ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅዲቑ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤ 4ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ ኣካይዱ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ጉባኤኡ ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝቐረብሉ ሹመት ሓለፍቲ ስራሕ ኣፅዲቑ።
ብመሰረት እዚ እውን፡-
1/ወይዘሮ ቆንጂት ደበላ ኦላ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ
2/ኣይተ ኣወሌ መሐመድ ኡመር ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ
3/ወይዘሮ ኣይሻ መሐመድ ኣደም ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን
4/ ሕይወት ሳሙኤል ጸጋዬ(ኢ/ር) ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ህንፀትን ቁፅፅርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ተሸይሞም።