ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ልዑል ድጎማ እናገበረ እዩ ዝርከብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2017 (ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ንኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ከባቢ 1 ቢልዮን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤ 4 ዓመት ዘበነ ስራሕ ኣካይዱ።

ኣብቲ ጉባኤ፤ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓሉ ሕቶታታት ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳርን ምላሽን መብራህርህን ሂቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ መብራህርሂ፤ እቲ ኣገልግሎት ዋላ ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት መፍትሒ እናኾነ እንተኾነ ኣብቲ ዘፈር ዝረኣዩ ፀገማት ምፍታሕ ከምዘድሊ ሓቢረን።

እተን ከንቲባ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ንኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ከባቢ 1 ቢልዮን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪበን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ከምዝስራሕ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም