ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 11 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ተወሳኺ በጀት ኣፅዲቁ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 11 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ተወሳኺ በጀት ኣፅዲቁ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/22/ 2017 /ኢዜአ/ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 11 ቢሊየን 556 ሚሊየን 999 ሺሕ ብር በጀት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቁ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብታ ከተማ ዘለው ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ንምድጋፍ ዝቐረበሉ ተወሳኺ በጀት ዘፅደቐ እንተኾን እቲ በጀት ንስሩዕን ካፒታልን ይውዕል ተባሂሉ፡፡
እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ፈላማይ በጀት ዓመቱ ልዕሊ 230 ቢሊየን በጀት ኣፅዲቑ ስራሕቲ ክሰርሕ ምፅንሑ ተሓቢሩ፡፡
ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4ይ ዓመት 3ይ ዘመን ስራሕ ስሩዕ ጉባኤ እናካየደ እንትኾን÷ ዝተፈላለዩ ሹመታት ከፅድቕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡