ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ዘደንቕ ምትሕብባር ገይሮም ኢዮም - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ዘደንቕ ምትሕብባር ገይሮም ኢዮም - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/22/ 2017 /ኢዜአ/ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ዘደንቕ ምትሕብባር ከምዝገበሩ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዘቕረበኦ ፀብፃብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ምልማዕን ሓዊሱ ብዙሓት ውፅኢታዊ ተግባራት ከምዝተወገኑ ኣልዒለን።
ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ብመሰረታዊነት እናሃደሰ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ “ኣብ ልምዓት ኮሪደር ናይ መኪና መገዲ ጥራሕ ዘይኮነስ 80 ሚኢታዊ ተሽከርካሪ ዘይብሉ ነባራይ ከተማና ብቐሊሉ ክጥቀመሉ ዝኽእል ናይ እግረኛታት መገዲ ኣስፋሕፊሕና ኢና” ኢለን።
ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን መሊስካ ምልማዕን ብህዝቢ ሓገዝን ምትሕብባርን ዝተረጋገፀ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ኣብዚ ስራሕ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብጉልበቶም ሓጊዞም ኢዮም፤ ሰብ ሃፍቲ ገንዘቦም ኣፍሲሶም ኢዮም ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ተለዓልቲ ልምዓት ዘደንቕ ምትሕብባር ከምዝገበሩ እውን አስሚረናሉ።