ኢትዮጵያ ፈጠርቲ ስራሕን ዓለም ለኸ ተወዳደርትን መናእሰይ ምፍራይ ዘኽእል ስነ ምህዳር ኢኖቬሽንን ፈጠራን እናሃነፀት እያ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 22/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ፈጠርቲ ስራሕን ዓለም ለኸ ተወዳደርትን መናእሰይ ምፍራይ ዘኽእል ስነ ምህዳር ኢኖቬሽንን ፈጠራን እናሃነፀት ከምዝኾነት ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ኣኼባ ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ኣይሲቲን ክእለትን "ኢኖቬሽን አፍሪካ 2025" “ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ኣፍሪካ ምምሃርን ምብቃዕንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ሚኒስቴራት ትምህርቲ፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን፣ስራሕን ክእለትን ምስ ኣፍሪካ ብሬይን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሎሚ ክዛዘም እዩ።

ጉባኤ "ኢኖቬሽን አፍሪካ 2025" ኣፍሪካ ብትምህርቲ፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ከምኡ እውን ልምዓት ክእለትን ፈጠራ ስራሕን ንምትእስሳር ዝዓለመ እዩ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚልንልምዓት ክእለትን ሓዱሽ መወዳደርን ንኣፍሪካ ሓሳብ ኣመንጨውቲ ፈጠርቲ ስራሕንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝካየድ ዘተ ፓነል መደረ መዲረን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዝገበርኦ መኽፈቲ መደረ፤ ጉባኤ ኢኖቬሽን ኣፍሪካ 2025 ኣብ መንጎ ኢንዱስትሪታት፣ሲቪል ማሕበራት፣ትካላት ትምህርቲ ምትእስሳር ብምፍጣር ክእለት ንምዕባይን እታዎት ፖሊሲ ንምትእኽኻብን ከምዝሕግዝ ተዛሪበን።

ኣብ ኣፍሪካ መናእሰይ ኣብ ፈጠራ ስራሕ፣ኢኖቬሽንን ክእለትን ዝለዓለ እጃም ንክህልዎም ምግባር እዚ እዋን ዝጠልቦ ተግባር እዩ ኢለን።

ዝበልፀገት ኣፍሪካ ንምህናፅ ምትሕብባርን ኢኮኖሚያዊ ተሳትፎን ተረባሕነትን መናእሰይ ምዕባይን ከምዝግባእ እውን ሓቢረን።

ኢትዮጵያ መመሓሽታት ሃገር ቦቆል ኢኮኖምን ዝተማልአ ማክሮ ኢኮኖምን ብምግባር ብልፅግና ንምርግጋፅ እናሰርሐት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ንብርክት ዝበሉ መናእሰይ ስልጠና ብምሃብ ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ እናተሰርሐ እዩ ኢለን።

ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ፈጠርቲ ስራሕን ዓለም ለኸ ተወዳደርትን መናእሰይ ምፍራይ ዘኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ውፅኢት ከምዘመዝገበት ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም