ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ግስጋሰ ብልፅግና ብተግባር ዝተርኣየሉ ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/22/ 2017 /ኢዜአ/ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ግስጋሰ ብልፅግና ብተግባር ዝተርኣየሉ ኢዩ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ እቲ ኣገልግሎት ሰብ ተኮር ምዃኑ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ብማዕርነትን ፍትሓውነትን ዘገልግል ሃገራዊ ትካል ኢዩ ኢሎም።

ኣገልግሎታት መንግስቲ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ስሉጣት፣ ቅልጡፋትን ደረጃ ፅሬቶም ዘማልኡን ንክኾኑ ሰራሕተኛታት ካብ ምስልጣን ብተወሳኺ ናይ ተሓታትነት ኣሰራርሓ ንክነግስ ምግባሩ አመልኪቶም።

ኣመራርሓን ኣባላትን ፓርቲ ብልፅግና ሓዎሱ ዝተፈላለዩ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዑደት ኣሳሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም