ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ኣዲስ ኣበባ ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኾኑ እዮም-ኣፍሪካውያን ጎብነይቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ኣዲስ ኣበባ ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኾኑ እዮም-ኣፍሪካውያን ጎብነይቲ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /15/2017 (ኢዜኣ) ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ኣዲስ ኣበባ ንሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኾኑ ከምዝኾነ እታ ከተማ ዝጎብነዩ ኣፍሪካውያን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለወቶ ኮንፈረንስ ዌልዲንግ ኣፍሪካ ዝተሳተፉ ኣፍሪካውያን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ጎብንዮም።
ልምዓት ኮሪደር፣ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስን መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ካብቶም ዝጎብነይዎም ስራሕቲ ልምዓት እንትኾኑ፤ ዝነኣዱ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ግብፃዊ ፕሮፍሰር ሀመድ ኣብደል ሐልም ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ዋና ከተማ ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተዓዘቡ ሓቢሮም።
ኣብታ ከተማ ዝተሃነፁ ሰሓብቲ ህንፃታት፣ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ኣዲስ ኣበባ ሰሓቢትን ቀልቢ ጎብነይቲ ትስሕብን ከምዝገበራ ኣረዲኦም።
ኡጋንዳዊው ኣዮ ኣዴኒዪ ብግድኡ፤ ኣብታ ከተማ ዝተሃነፁ መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስን ኩርዓት ኣፍሪካ እዮም ኢሉ።
እዞም ስራሕቲ ልምዓት እዚኣቶም ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ክገብርኦም ዝግባእ ፕሮጀክትታት ከምዝኾነ ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝም ንምዃን ዘኽእላ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ ዝበለት ድማ ተሳታፊት እቲ ኮንፈረንስ ደቡብ ኣፍሪካዊት ኮንፊደንስ ሌኮኣኔ እያ።
ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣብ ምድሪ ኣፍሪካ ተሃኒፁ ምርኣያ ከምዘሕጎሳ እውን ሓቢራ።
ንሳልሳይ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፅኡ ዝገልፅ ደቡብ ኣፍሪካዊ ሾተን ሴቺዋ፤ ኣብታ ከተማ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ምዕዛቡ ገሊፁ።