ሃገራዊ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝተጀመረ ፃዕሪ ዝተባባዕ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራዊ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝተጀመረ ፃዕሪ ዝተባባዕ እዩ

ጎንደርን/ ደብረ ብርሃንን/ሚያዝያ /14/2017 (ኢዜኣ) ሃገራዊ ፀገማት ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገዲ ብምኽክር ብምፍታሕ ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝተጀመረ ፃዕሪ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ነበርቲ ከተማታት ጎንደርን ደብረ ብርሃንን ገሊፆም።
ነባሪ ከተማ ጎንደር ዝኾኑ ኣይተ ኣበበ በየነ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ምኽክር ምፍላይ ኣጀንዳ ኣብ ዘካየደሎም መድረኻት መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ተላዒሎም እዮም።
ከምሃገር ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ብዘላቕነት ብምፍታሕ ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ መንግስቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣድላይን እዋናውን እዩ እውን ኢሎም።
ካሊእ ነባሪ ከተማ ጎንደር ዝኾኑ ኣይተ ኣድማሴ ደሞዜ ብግደኦም፤ ምኽክር ምጅማሩ ኣብ ሃገርና ቂም፣ሕነ ምፍዳይን ፅልኢትን ብምውጋድ ሃገርን ወለዶን ንምሽጋር ዘኽእል ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ንምፍጣር ከምዘኽእል ሓቢሮም።
እቲ ኮሚሽን ዝቐረቡ ኣጀንዳታት ብምውዳብን ኣብ ቀፃሊ ምኽክር ብምድላውን ሓላፍነቱ ንምውጻእ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዘየረዳድኡን ቀንዲ ቀንዲ ሃገራዊ ፀገማትን ብምፍታሕ ሓድነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ነባሪት ከተማ ደብረ ብርሃን ዝኾና ወይዘሮ መሰረት ወንድይፍራው፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ፀገማት ብዘተ ተፈቲሖም ዘላቒ ሰላም ከረጋግፅ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለወን ገሊፀን።
ኣፈላላይ ንክሰፍሕን ንዘይምርድዳእ ምኽንያት ዝኾነን ናይ ሓሶት ተረኽ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሃገራዊ ምኽክር ብኣግባቡ ምጥቃም እንተተኻኢሉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ሓድነትን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ተዛሪበን።