እንኽተሎ ብዙሑ ዓውዲ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ምዃኑ ካብ ዑደት ቬይትናም ፅቡቐ ተመክሮ ረኺበ ኣለኹ - ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል - ኢዜአ ትግርኛ
እንኽተሎ ብዙሑ ዓውዲ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ምዃኑ ካብ ዑደት ቬይትናም ፅቡቐ ተመክሮ ረኺበ ኣለኹ - ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል ኣብ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቬይትናም ዝገበሮ ዑደት ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።
ኣብ መብርሂአን ቬይትናም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢኮኖሚ ስራሕቲ ሪፎርም ብምክያዳ ካብ ቅልውላው ብቕልጡፍ ክትወፅእ ዝተኽኣለሉ ንጥፈት አመልኪተን ተዘሪበን ፡፡
ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተዋህቦ ልእኽቶ ኣብ ስራሕ ልምዓት ዓቕሚ ሰብ ምስርሑ ብምግላፅ÷ ኣብቲ ዓውዲ ቁልፊ ለውጢ ብምግባር ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ስልጠናን ናይ ነዊሕ እዋን ፍኖተ-ካርታ ተሓንፂፁ ብዙሓት ስራሕቲ ምውጋኖም ገሊፀን፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ምጅማሮም ብምርዳእ÷ እቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ንምዕባይ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ስምምዕነት ምስ ቬይትናም ምፍራሙ ኣፍሊጠን፡፡