ዑደት አብ ቬይትናም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ብብርክት ዝበሉ መዳያት ተሞክሮ ዝተረኸበሉ እዩ- ቢልለኔ ስዩም


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ኣብ ቬይትናም ዝገብርዎ ዑደት ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽርን ኣብ ብዙሕ ዓውዲታት ተመኩሮ ዝተረኸበሉ እዩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክረታርያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ኣብ ቬይትናም ዘካየድዎ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (/) ኣብ ቬይትናም ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምዝታዮም ተዛሪበን፡፡

በዙይ እውን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘተ ምክያዶም ኣረዲአን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ቬይትናም ፋም ሚን ቺን ኣብ ቤተ መንግስቶም ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (/) ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ገሊፀን።

ኣብ ዘተኦም ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝካአለሎም ጉዳያት ምዝታዮም አረዲአን፡፡

ቬይትናም ብቀንዲ ትፍለጥ ኢንቨስትመንት ብምስሓብ እዩ ዝበላ ቢልለኔ ስዩም÷ ምስዚ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ምስ እታ ሃገር ኣብ ኢኮኖሚ፣ ኢንዳስትሪ፣ ሕርሻን ካልኦት ዓውድታትን ተመኩሮ ምርካባ ኣብሪሀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም