ፖሊስ ፌዴራል ብርክት ዝበሉ ዘይሕጋዊ አፅዋራት ምስ 146 ተጠርጠርቲ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ





 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ ዘይሕጋዊ አፅዋራት  ምስ 146 ተጠርጠርቲ አብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ዘይሕጋዊ  ዝውውር አፅዋር  ንምክልኻል ብዝተወሰደ  ኦፕሬሽን፤ 121 አፅዋራት  ካብ መንበሪ ኣባይቲ፣ 8 ሺሕን 989 ካብ ፀረ-ሰላም ሓይሊታትን 36 አፅዋራት ኣብ ኬላታት ከምዝሓዘ ሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 6 ሺሕን 351 ዝተፈላለዩ አፅዋር ጠያይቲ  ካብ መንበሪ ኣባይቲ፣ 8 ሺሕን 989 ካብ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም፣ 51 ሺሕን 846 ኣብ ኬላታት ከምዝተትሓዙ ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል ኣመልኪቱ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 236 ዝተፈላለዩ ካዝናታት አፅዋር ኣብ መንበሪ ኣባይቲን 148 ኣብ ኬላታትን ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ፡፡

ብተመሳሳሊ 1 ብሬን ካብ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም፣ 2 ብሬን ኣብ ኬላታት ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ 31 ዝተፈላለዩ ቡንባታት ካብ መንበሪ ኣባይቲ፣ 25 ቡንባታት ካብ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም፣ 122 ቡንባታት ኣብ ኬላታት ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ ዘይሕጋዊ ዝውውር አፅዋራት  እንትምልከት ብመተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታ (EFPApp) ብናፃ መስመር ስልኪ 991 ሓበሬታ ብመሃብ ዜግነተዊ ግብኡ ንክፍፅም  ፖሊስ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም