ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ “ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፀሐኩም፤ ኣብፀሐና” ኢለን።
በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ደቂ ሰባት ብደሙ ካበ ሃጥያት ንምንፃህ ዓርሱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ተወዳዳሪ ዘይርከበሉ ፍቕሩ ኣብ መስቀል ብምግላጽ ብናቱ ሞት ንኩሎም ደቂ ሰባት ምሕረት ዘውረደን ንሞት እውን ብምሽናፍ ካብ ሞት ዝተልዓለሉን በዓል እዩ ክብላ ገሊፀን።
“ንሕና እውን እየሱስ ክርስቶስ ብመርኣያነት ብምኽታል ነንሕድ ሕድና ብምፍቓር፣ብምትሕስሳብ፣ይቅርታን ምሕረትን ብምግባር ምስ ኩሎም ደቂ ሰባት ብሰላም ንክንነብር ባዕሉ ይሓግዘና” ኢለን።
እቲ በዓል፤ ናይ ፍቕሪ፣ሰላም፣ይቅርታ፣ምሕረት፣ምትሕስሳብ፣ምትሕግጋዝ፣ሓጎስን ሓድነት ዝጠናኸረሉን በዓል ይኹን ክብላ እውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።