ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ታሪኽ ናይ ምሕዳስ ተግባራትና እውን ኣጠናኺርና ክንቐፅል ኢና - ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ - ኢዜአ ትግርኛ
ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ታሪኽ ናይ ምሕዳስ ተግባራትና እውን ኣጠናኺርና ክንቐፅል ኢና - ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2017/ኢዜኣ/ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ታሪኽ ናይ ምሕዳስ ተግባራትና ኣጠናኺርና ክንቀፅል ኢና ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ኣፍሊጦም፡፡
እቶም ዋና ኣዛዚ ልዕሊ 37 ዓመት ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ኮይና ዝፀንሐት ነይ ነበር ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ መንግስቱ ሃይለማሪያም ይጥቀሙላ ዝነበረት DHC-5 Buffalo ኣውሮፕላን ፅገና ብምግባር ናብ ስራሕ ንዘእተዉ ኢንጂነራትን ቴክኒሺያናትን ኣመስጊኖም፡፡
ሌተናል ጄኔራል ይልማ ኣብቲ እዋን÷ እታ ኣውሮፕላን ሙሉእ ፅገና ዝተገበረላን ምስ ግዚኡ ዝተወሃዱ ቴክኖሎጂታትን ዝተገጠመላ ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ዕጥቂታት ካብ ምግዛእ ብተወሳኺ ኣፍራዪ ንምዃን እናገበሮ ኣብ ዝርከብ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ውፅኢት እናተረኸበ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ብምሕንፃፅ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ፀሪሖም፡፡
ካናዳ ስራሕ ዝኾነት DHC-5 Buffalo ኣውሮፕላን ነበር ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ካብ ሃገር እንትሃድሙ ክሳብ ኬንያ ዝኸዱላ ኣውሮፕላን ምዃና ታሪኻዊት ከምዝገብራ ምግላፆም ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት።