ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ልቀት ካርበን ናብ ዜሮ ንምውራድ ዘኽእሉ ስራሕቲ ተሳልጥ ኣላ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ልቀት ካርበን ናብ ዜሮ ንምውራድ ዘኽእሉ ስራሕቲ ተሳልጥ ኣላ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2017 /ኢዜአ/ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ኣብ 2050 ልቀት ካርበን ናብ ዜሮ ንምውራድ ጠመተ ሂባ እናሰርሐት ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉባኤ ቬይትናም 2025 ፒ4ጂ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ÷ ኢትዮጵያ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ተግባራዊ እናገበረቶም ዘለው ኢኒሼቲቫትን ፖሊሲታትን ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡
በዙይ እውን ጉባኤ 4ይ ፕሮጀክት ፒ4ጂ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ንምህናፅ፣ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽን ዘለዎም ምትሕብባር ንምቅልጣፍ ከምኡውን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣረዲኦም፡፡
ኣብቲ ጉባኤ መንግስቲ፣ ውልቀ ትካላት፣ ሲቪክ ማሕበራት ሓምለዋይ ልምዓት ንምርግጋፅ ዝገብርዎ ፃዕሪ ከምዝረኣዩ ብምግላፅ÷ እዞም ኣናእሽቱ ፕሮጀክትታት እንተተሓባቢሮም ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ምምፃእ ከምዝከኣል መርኣያ እዩ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ተቓላዕቲ ካብ ዝኾኑ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ዘረድኡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ብዙሓት ኢኒሼቲቫት ተግባራዊ ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር እያ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ጉባኤ ብዕውት ኩነታት ንዘካየደቶ ቬይትናም ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡