ኣብ ቬይትናም ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓደመ ነይሩ - ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2017 /ኢዜአ/ ኣብ ቬይትናም ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓደመ ነይሩ  ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (/) ገሊፆም ፡፡

ኣብ ቬትናም ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንት ርክበን ንምጥንኻር ዝኽግዙ ስምምዕነት ንምፍፃም  ዘኸአለ ነይሩ ፡፡

እቶም ሚኒስተር ኣብ ቬይትናም ኣብ ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ÷ ኢትዮጵያን ቬይትናም 50 ዓመታት ዘቑፀረ ዝምድና ዘለወን ሃገራት ምዃኑ ብምዝካር፤ መራሒ ኢትዮጵያ ምስ ልኡኹ ዑደት እንትገብር እዙይ ንፈለማ እዋን እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ዑደት መራሕቲ ኣብ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምዝታይ፣ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ንምፍራምን ቀፃሊ ርክበን ዝያዳ ንምጥንኻር እንታይ ዓይነት ኣካይዳ ምስዓብ ከምዝግባእ ንምዝታይ ዕድል ፈጢሩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም