ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዓለም ዝፍጠሩ ዕድላት ብኣግባቡ ንምጥቃም ብዝበለፀ ምስራሕ ይግባእ-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዓለም ዝፍጠሩ ዕድላት ብኣግባቡ ንምጥቃም ብዝበለፀ ምስራሕ ይግባእ-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 9/2017 (ኢዜኣ) ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዓለም ዝፍጠሩ ዕድላት ብኣግባቡ ንምጥቃም ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻእን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሃገራዊ ትልሚ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ኣመልኪቶም ዘትዮም።
እቲ ፀብፃብ ኣፈፃፅም ኣብቲ መድረኽ ዘቕረቡ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ፤ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ዝነበረ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ መፍረያይነትን ተወዳዳሪነትን ምዕባይ ዘኽኣለ እዩ ኢሎም።
ኣብ 9 ኣዋርሕ በጀት 2017 እቲ ኢኮኖሚ ብ8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ 5 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ካብ ንግዲ ወፃኢ ኣተዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ እውን ክልቲኣዊ ርክባት ብምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ኢትዮጵያ ተሳትፎኣ ምዕባይን ረብሓታታ ምሕላውን ዘኽኣሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢሮም።
ኣብቶም 9 ኣዋርሕ ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብሬሚታንስ ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተልኣኸ ብምግላፅ፤ ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 12 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታትን ትኸዶ ዘላ መንገድን ንምርዳእ ዘኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ዝተሰርሑ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ሪፎርም ማሕለኻታት ዕቤት ኢትዮጵያ ንምፍታሕን ልኣላዊነት ንምርግጋፅን ዘኽኣሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ተለዋዋጥነት ኩነታት ዓለም እናወሰኸ ከምዝመፀ ብምሕባር፤ ኣብ ዝመፅእ ግዘ ዝፍጠሩ ዕድላትን ስግኣታትን ብዕምቆት ብምግምጋም ረብሓ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ትርከበሉ ዞባ ንሰላምን ምርግጋዕን ወሳኒ እጃም ከምዘለዋ ዳግማይ ዘረጋገፀትሎም ዓወታት ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ከምዝተመዝገቡ እውን ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።