ኢዜኣ ኣብ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሃገራዊ ምርድዳእን ህንፀት ምስልን ዘጠናኽሩ ውጽኢታዊ ስራሕቲ ኣሳሊጡ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 9/2017 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ኣብ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሃገራዊ ምርድዳእን ህንፀት ምስሊ ሃገርን ዘጠናኽሩ ውጽኢታዊ ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ገሊፁ።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ ኣፈፃፅማ ትልሚ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 እቲ ትካል ገምጊሞም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢዜኣ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ከምኡ እውን ምችው ከባቢ ስራሕ ምፍጣር ዘኽእል ስራሕ ትካላዊ ሪፎርም ኣሳሊጡ እዩ።

እቲ ትካል ብዲጂታል ኣማራፅታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምስሊ ሃገር ዝሃንፁን ጉዳያት ኣፍሪካ ዝድህስሱን ፀብፃባት ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ብሄራዊ ምርድዳእን ምስሊ ሃገርን ዝሃንፁ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ዜናን ዜና ተኮርን ሓበሬታታት ብሰፊሑ ሽፋን ፀብፃብ ከምዝረኸቡ እውን ገሊጾም።

እቲ ትካል ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ብዓወት ንምስላጥ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ 584 ወረዳታት ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ሓበሬታ ምልውዋጥ ዘኽእል ምትእስሳር ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብቲ ትካል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ፣ቴክኖሎጅን ዲጂታላይዜሽንን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣብራህሪሆም።

ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብግደኦም፤ ኢዜኣ ዝጀመሮም ስራሕቲ ሪፎርም ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር እጃሞም ንምውፃእ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም