ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽበሩ ዕውት ስራሕቲ ተሳሊጦም- ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽበሩ ዕውት ስራሕቲ ተሳሊጦም- ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/9/ 2017 /ኢዜአ/ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽበሩ ዕውት ስራሕቲ ምክያዶም ውሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣፍሊጦም፡፡
ኣምባሳደር ነብያት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ÷ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ከምኡውን ዜጋታት ጠመተ ዝገበሩ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ዕውት ውፅኢት ምምዝጋቦም ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስርሖም ብምሕባር÷ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካን ካልኦት ሃገራትን ብሓባር ብምዃን ኣኼባ ኮሚሽን ምክያዶም ኣረዲኦም፡፡