ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 9/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ገሊፀን።

ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር አይሻ መሀመድ ንተሰናባቲ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል/ICRC/ ብሩስ ሎሪየንዝን ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።

እቲ ዘተ፤ ኢትዮጵያን እቲ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ኣብ ዘለዎም ምትሕብባርን ሰብኣዊ ጉዳያትን ጠመተ ዝገበረ እዩ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዝፀንሕ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ዘትዮም።

ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ንዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምንኣድ ኢትዮጵያ ምስቲ ኮሚቴ ብቐረባ ንምስራሕ ኣብ ዝኾነ እዋን ድልዉቲ እያ ኢለን።

ተሰናባቲ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ብሩስ ሎሪየንዝን ብግደኦም፤ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሚኒስቴር ምክልኻል ንስርሖም ዝገበሮ ደገፍ ኣመስጊኖም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ኮሚቴ ዝገብሮ ደገፍ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ድንጋገታት ኣሰራርሓ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምኽባር ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ንኢዶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓዱሽ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ኮይኖም ዝተሾሙ ሲሞኔ ካሳቢያንካ ምስተን ሚኒስትር ከምዝተላለዩ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም