ምምሕያሽ ኣዋጅ መራከብቲ ሓፋሽ ሚዲያታት ብሓላፊነት ክንቀሳቐሳ ይሕግዝ- ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ምምሕያሽ ኣዋጅ መራከብቲ ሓፋሽ ሚዲያታት ብሓላፊነት ክንቀሳቐሳ ይሕግዝ- ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/9/ 2017 /ኢዜአ/ምምሕያሽ ኣዋጅ መራከብቲ ሓፋሽ ሚዲያታት ብሓላፊነት ክንቀሳቐሳን ንህንፀት ሃገር ዘለዎም ግደ ብዝበለፀ ክብ ንክብል ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ተፀዋዒመንግስቲ ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
6ይ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት መበል 25 ስሩዕ ኣኼባ ኣሳሊጡ፡፡
ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)ምምሕያሽ ኣዋጅ መራከብቲ ሓፋሽ ብምጥንኻር ዘይሻራነት ንምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ትካላት መንግስቲ ኣብ ዘይሻራዊነት ዝሰርሖም ስራሕቲ ርኡይ ለውጢ ምምፅኦም ብምሕባር÷ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ ኣብ ዓውዲ መራከብቲ ሓፋሽ ዝገበሮም ምምሕያሻት ናይታ ሃገር ሚዲያ ዓይነት፣ ስፍሓትን ተበፃሕነትን ምውሳኹ ገሊፆም፡፡
ንኣብነት ቅድሚ ለውጢ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሚዲያታት 122 ድሕሪ ለውጢ ናብ 272 ክብ ምባሉ ገሊፆም፡፡