“ኮርያ ጅግንነትን መስዋእትነትን እቶም ኣብ ጎና ደው ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ፈፂማ ኣይትርስዕን”- ኣምባሳደር ካንግ ጆንግ



 

አዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/9/2017/ኢዜአ/ኮርያ ጅግንነትን መስዋእትነትን እቶም ኣብ ጎና ደው ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ፈፂማ ኣይትርስዕን ክብሉ ኣምባሳደር ኮርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮንግ ጆንግ ገሊፆም።

 ሙዝየም መዘከርታ ኵናት ኮርያ ንኽብሪ ጀጋኑ ዳግማይ ተሰሪሑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ኮርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮንግ ጆንግ ከምዝበልዎ፤ ኮርያ ጅግንነትን መስዋእትነትን እቶም ኣብ ጎና ደው ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ፈፂማ ኣይትርስዕን።

እዚ ሙዝየም መዘከርታ ጥራሕ ዘይኾነስ፤ ምሕዝነት እተን ሃገራት ኣሐይሉ ዘቐፅል ድልድል ' ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ነበር ማሕበር ጉዳይ ወታደራት ኢትዮጵያ ኮሎኔል እስጢፋኖስ ገብረመስቀል ብወገኖም፤ ኮርያ ንጀጋኑና ብምዝካራ ኣዚና ነመስግን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም