ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ፒ4ጂ 2025 ቬይትናም ተሳቲፎም




 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) “ዘላቕን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረን ሓምለዋይ ሽግግርኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ጉባኤ 4 2025 ቬይትናም ተሳቲፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ዘላቕን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረን ሓምለዋይ ሽግግርኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ጉባኤ 4 2025 ቬይትናም ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምስጓም ኣድላይ ዝኾኑ 3 ቁልፊ ነጥብታት ተግባር ጠመተ ሂበ ሓሳብ ኣካፊለ ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን እቲ ቀዳማይ፤ ቀረብ ገንዘብ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀዳምነት ብምሃብ እኹል፣ተገማትን ዘላቕን ብዝኾኑ ፍልፍላት ክረረጋግፅ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።

እቲ ካልኣይ ድማ፤ ዘላቒ ልምዓት ልምድጋፍን ወሳኒ ስነ ምህዳር እቲ ኣህጉር ሓለዋ ንምግባርን ኣብ ውሽጢ ሽፋን ኢንቨስትመንት ፍልፍል ሓይሊ ዓለም ብፅሒት ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብቲ ዘለዎ 2 ሚኢታዊ ኣብ 2030 ናብ 20 ሚኢታዊ ክነዕብዮ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ሳልሳይ፤ ጥፍኣት ብዝሃ ሂወትን ምብዳም ምድርን ብምቅላስ ተፈጥሮ ንምሕላው ቅልጡፍ ስጉምትታት ክውስዱ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

እዚ ድማ ከም ሓምለዋይ ኣሰር ዝበሉ ህዝባዊ ስራሕቲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዘይሻራውን ፍትሓውን ተረባሕነት ምርግጋፅን ከምዝሓቁፍ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም