ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ መሰረተ ልምዓት ዘለወን ምትሕብባር ኣመልኪተን ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ መሰረተ ልምዓት ዘለወን ምትሕብባር ኣመልኪተን ዘትየን

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /8/2017 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ጸጋዬ ምስ ሚኒስትር መሰረተ ልምዓትን ኢክዩፕመንትን ጅቡቲ ሀሰን ሀሙድ ኢብራሒም ዘትዮም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ክልቲአን ሃገራት ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ዝተጀመረ ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ ዲኪል-ጋላፊን ኣብ ቀጻሊ ምዕራፍ ኣብ ዝስርሑ ስራሕትን ኣመልኪቶም ዘትዮም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ብስምምዕ ኣርባዕቲአን ሃገራት እቲ ዞባ ዕላዊ ዝኾነ በዓል መዚ ማኔጅመንት ኮሪደር ኣብ ማዕቐፋት ምትሕብባር በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ሕብረት ኣፍሪካን ንክሕቆፍ ወይ ድማ ንክካተትን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ይሕብር።