መለለዪ መንነት ፋይዳ ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ዝለዓለ እጃም ኣለዎ-ኣይተ ጌቱ ወዬሳ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 8/2017 (ኢዜኣ) መለለዪ መንነት ፋይዳ ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ሃረሪ ኣይተ ጌቱ ወዬሳ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ምስ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ክልል ሃረሪ ኣብ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣመልኪቱ ዘትዩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ሃረሪ ኣይተ ጌቱ ወዬሳ ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ፋይዳ ዜጋታት ግልፂ መንነት ንክህልዎም ብምግባር ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንክረኽቡ ዘኽእል እዩ።

ብፍላይ ድማ ገበናት ምጭብርባር ብምትራፍ ድሕንነት ዓውዲ ፋይናንስ ንምርግጋፅ ዘኽእል እዩ ኢሎም።

መለለዪ መንነት ፋይዳ ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ዝተትሓዙ ትልምተት ንምዕዋት ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

አማኸሪ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ኣይተ ኦላና ኣበበ ብግደኦም፤ መለለለዪ መንነት ፋይዳ ትኽክለኛ ሓበሬታ ህዝብታት እታ ሃገር ፈሊኻ ንምፍላጥ ሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብፍላይ ድማ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝሕግዝን ዜጋታት ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኩነታት ዘመቻችውን ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም