ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ደቡብ ኣፍሪካ ምትእስሳር ንግዲ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ደቡብ ኣፍሪካ ምትእስሳር ንግዲ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /8/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ደቡብ ኣፍሪካ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ንምጥንኻር ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ደሊል ከድር ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ደቡብ ኣፍሪካ ምቶ ኩሉ ዘትዮም።
እቲ ዘተ፤ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ጠመተ ዝገበረ እዩ።
ኣምባሳደር ደሊል ከድር ብዛዕባ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ምስቲ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ኣመልኪቶም ነቶም ፕሬዚዳንት ገለፃ ገይረምሎም።
ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዱስትርን ደቡብ ኣፍሪካ ምቶ ኩሉ፤ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽሩ ምችዋት ዕድላት ከምዘለዉ ገሊፆም።
እቲ ቤት ምኽሪ ምትሕብባር እተን ሃገራት ንምጥንኻር ቆራጽ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ማዕቐፍ ቤት ምኽሪ ቢዝነስ ብሪክስ ፕላስ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ተገሊፁ።
ኣብ መንጎ ኣብያተ ምኽርታት ንግዲ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ቀዋሚ ዘተታት ቢዝነስ ምግባር ዘኽእል ማዕቐፍ ንምፍጣር ከምዝተስማዕምዑ እውን ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶሪያ ይሕብር።