ኢትዮጵያን ቬይትናምን ብርክት ዝበሉ ዘመሳስለን ሓባራዊ ጉዳያት ኣለወን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ቬይትናምን ብርክት ዝበሉ ዘመሳስለን ሓባራዊ ጉዳያት ኣለወን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 7/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቬይትናምን ብርክት ዝበሉ ዘመሳስለን ሓባራዊ ጉዳያት ኣለወን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ቀዳማይ ሚኒስትር ቬይትናም ፋም ሚን ቺን ኣብ እዋን ዕላዊ ዑደትና ንዝገበሩልና ድሙቕ ኣቀባብላን ክቡር እንግዶትን የመስግን” ኢሎም።
ኢትዮጵያን ቬይትናምን ብርክት ዝበሉ ዘመሳስለን ሓባራዊ ጉዳያት ከምዘለወን እውን ኣፍሊጦም።
“ክልቴና ዓብ ህዝብን ንስራሕ ዝተነቓቕሐ መንእሰይን ዘለና፣ንልምዓትን ዕቤትን ዝቖረፅና ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ታሪኽና እውን ብፅንዓትና እንልለ ሃገራት ኢና” ክብሉ ገሊጾም።
ዘተኦም ብንቑሕ ተሳትፎ ዝግለፅን ዕምቆት ዝነበሮን ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም።
‘ልውውጥ ሓሳብና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ ፖለቲካዊ፣ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ምትእስሳር ንክፍጠር በሪ ከፊቱ እዩ” ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፋም ሚን ቺን ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዝጉብንይሉ እዋን ሓባራዊ ራኢታትና ብዝበለፀ እነጠናኽረሉን እቲ ናይ ሎሚ ክልቲኣዊ ርክብ ኩነታት ዓለምና ብዝበለፀ እነፅንዐሉን ክኸውን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።