ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ገበን ግዕዝይና ውፅኢታዊ ንክኾኑ ኣሰራርሓ ምዝማን የድሊ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ



 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/17/ 2017 /ኢዜአ/ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ገበን ግዕዝይና ውፅኢታዊ ንክኾኑ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ምዝማን የድሊ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ ኣብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ገበን ግዕዝይና ብምድሃብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ዘተ ኣካይድና ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ኣፈፃፅማ ስራሕን እቶም መዳርግቲ ኣካላተ እንታይ ከምዝመስል ምኽክር ከምዝተገበረ ገሊፆም።

እቶም ትካላት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምዝማን፣ ኣብ ቃልሲ ፀረ-ግዕዝይና ሃገራዊ ሓበራዊ ልኡኽቶ ማእኸል ብምግባር ዝውግኑዎም ተግባራት ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣመልኪቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም