ኣየርላንድ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣየርላንድ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/10/ 2017 /ኢዜአ/ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ምስ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኦሊቪያ ሌስሊ ኣብ ክሊ ጉዳያት ጥዕናን ምድግጋፍን ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጠን።
ኣየርላንድ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትልሚታት ጥዕና ንምትግባር ንኢትዮጵያ ከምዝሓገዘታ ዶ/ር መቅደስ ገሊፀን።
ኣየርላንድ ንኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ደገፍ እውን አመስጊነን።
ኣብ ቀረብ ምምሕያሽ ሰንሰለት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሓለዋ ጥዕና ምጥንኻር ሓይሊ ሰብ፣ ሕማማት ኣብ ምክልኻልን ጥዕና ህዝቢ ንምምሕያሽን ዝሕግዙ መገዲታት ስርዓተ ምግቢ ብዝምልከት ዘቲየን።
ብተወሳኺ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት፣ ቀረብ ክትባትን ማሕበረሰባዊ ኢንሹራንስን ሓፈሻዊ ስርዓት ጥዕናን ኣብ ምጥንኻር ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምክያደን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣየርላንድ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነት እተን ኣምባሳደር ኣብቲ ዘተ ገሊፀን።